Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • Convert to Pdf
  • Reading List
  • Summary
  • Audiobook
  • Search
  • Upload
  • myzon
  • Log in
  • Register
English  አማርኛ  Français  العربية
Book of the day

ቓላት ቅዱሳን(1).pdf


  • word cloud

ቓላት ቅዱሳን(1).pdf
  • Extraction Summary

ፍ ጳም ዳሜጋ ገዳማዊ ሕይወት ኣብ ሃገር ግብጺ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ በረካ ዝርከቡ ኣበው ክልተ መምርሒታት መንፈሳዊ ሕይወት ነይሮሞም እቶም መጀመሪያ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ኪኾኑ ከለዉ እቲ ካልኣይ ከኣ ቀዳሞት ኣበው ዝርከብ መንፈሳዊ ጥበብ ዚ ካብ ናብርኦምን ኣዘራርብኦምን ዝርከብ ነበረ ኣበየ ገዳማት ንመንፈሳዊ ተጋድሎ ዝተሰለፉ ናይዞም ኣበው ሕይወትን ዝርርብን ንምጥርናፍ ሓያሎ ሊቃውንቲ ናብ በረኻታት ተጓዒዞም እዮም ኣባ ሄሮኒመስ።ለናይዚ ሕይወት መስራቲ ቅዱስ እንጦንስ እዩ ኣባ እንጦንስ ብፈተና ዘይሓለፈ ሰብ መንግስተ ሰማያት ዘእትው እዩሳልሳይን ኣብ ቅድመ እግዚኣብሄር ዋጋ ዘወህበናን ብዘይ ፍርሓት ደው ክንብል ዚገበረና ምጽዋት ዩ ኢሉ ተርጎመሎም። ሓደ ብጻይ ን ኣባ ሲዞስ ኣባ ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ሰይጣን ሕጂ ንዓና ብዝፍትኖ ኩናት ንሰባት ይፍትኖም ዶ ነይሩሠክብል ሓተቶ።ንሱ ከኣ ሕጂ ብኢስዎዶምኽንያቱ ዘመኑ እናተወድአ ምፒኺኑ ኣዝዩ ስለ ዝተበሳጨወ ዩ በሎ።ንሱ ግን ከም ሓቂ እንተኮይኑ መንፈሳዊ ሂወት ገና ኣይጀመርኩን ክብል መለስ።

  • Cosine Similarity

ንድልየት ስጋ ዘርኣዩና ቅኑዕ መስመር ናብራ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ህያው ትምህርቲ እዩ ዳሪዕፖያዕ ኣባ ኣርሳንዮስ ብሐቋፁኡዓጅም ኣብ ሮም ተወሊዱ ኣብ ዘመኑ ትምህርቲ ብዚግባእ ዚተማሃረን ኣብ መዓርግ ሴናተርነት ዚበጽሐ ሰብ ነበረ ናይ ሮም ንጉስ ቴዎድስየስ ንልዕልቲ ኣርቃድዮስን ብሕቡእ ናብ እስክንድርያ መጽአ ቀጺሉ ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ኣትዩ ናይ ኣባ ዮሓንስ ሓጺር ወዲ መዝሙር ኮነ ኣብ ከባቢ ገዳም ኣስቄጥስ ዝርከብ ጴጥራ ዝተባህለ ቦታ ብምናኔ ክነብር ጀመረ ፍሉጣት ሰለስተ ደቀ መዛሙርቲ ኣቦ እዩ ብሕተሕ ኣብ ገዳመ ኣስቄጥስ ንካልኣይ ግዜ ድሕሪ ምጥፍኡ ናብ እንባ ትሮኢ ደየበ ኣብኡ ከኣ ብሕሇጩሮ ዓረፈ ኣባ ኣርሳንዮስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ነበረሉ ሰዓት ኦ ጎይታ ብጎደና ድሕነት ምሓረኒ እናበለ ይጽልይ ነበረ ስለዚ ውን ኣባ ኣርሳንዮስ ካብ ሰባት ተፈለየ እሞ ኣብቲ ግዜ ቲ ድሕነት ክትረክብ ኢኻ ዝብል ድምጺ ሰምዐ ብኡ ንብኡ ቤተ መንግስቲ ገዲፉ ናብ ገዳም ኣተወ ናብ ምናኔያዊ ሕይወት ድሕሪ ምእታው እውን ከምቲ ናይ ቀደም ተመሳሳሊ ዝኾነ ጸሎት ይጽልይ ነበረ ኣብቲ ህሞት ቲ ካብ ሰማይ ዚመጽእ ድምጺ ኦ ኣርሳንዮስ ህደም እሞ ብኣርሞም ንበር። ኣጥቢቕና እንተሒዝናዮ ከኣ ምሳና ብሓባር ይነብር ኣባ ማርቆስ ንኣባ ኣርሳንዮስ ንምንታይ ካባና ትርሕቅ ክብል ሓተቶ ኣባ ኣርሳንዮስ ከኣ ከምዚ በሎ ከምዝፈትወኩም እግዚኣብሄር ይፈልጥ ኮይኑ ግን ምስ ሰባትን ምስ እግዚኣብሔርን ብሓደ ክነብር ኣይክእልን እየ እልፍ ኣእላፋት መላእክት ኣብ ሓደ ቦታ እንተኣለዉ ሓሳቦም ግን ሓደ እዩ ሰባት ግን ሓሳቦም ብመጠን ቁጽሮም ልክዕ ብዙሕ እዩ ስለዝኾነ ከኣ ምስ ሰብ ክነብር ክብል ንእግዚኣብሔር ክገድፎ ኣይደልን እየ በሎ ኣባ ኣርሳንዮስ ኣብ ውሽጢ ገድሊ ንዚርከብ መነኮስ ናይ ሓንቲ ሰዓት ድቃስ ብቁዕ እዩ ይብል ነበረ ምሸት ዕለተ ዓርብ። ንዓባይ ሰንበት ምድላው ክብል ሕቁኡ ንጸሓይ ሂቡ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕ ናብ ሰማያት ይጽልይ ዚዓርፈሉ ግዜ ጸሓይ ፊት ንፊቱ ብርሃና ምዝርጋሕ ክትጅምር ከላ ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ እዩ ኣባ ዳዊት ሓደ ግዜ ኣርሳንዮስ ዚነገሮም ታሪክ ብከምዚ ዚስዕብ የውጉዑና ብርግጽ ዩ ኣባ ኣርሳንዮስ ነዚ ታሪክ ዚተዛረቦ ካልእ ሰብ ገይርዎ ኢሉ እዩ ብርግጽ ግን ወናኒ እቲ ታርክ ባዕሉ ንሱ እዩ ሓደ ኣረጋዊ መነኮስ ካብ በዓቱ ወጺኡ ከሎ ናይ ደቂ ሰባት ስራሕ ከርእየካ ንዓ ዚብል ድምጺ ሰምዐ ንሱ ከኣ ካብ በዓቱ ወጺኡ ነዚ ዝጸወዖ ድምጺ ስዒቡ ተጓዕዘ እቲ ድምጺ ናብ ሓደ ቦታ ኣብጽሐ እሞ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዕንጨት እናፈለጸ ኪኩመር ለቧጽፍጸፍለሊኣርኣዮ እቲ ዕንጨት ዚፍልጽ ኢትዮጵያዊ ክሽከም ፈተነ እሞ ኣጻገሞ ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ዝጎድሎ ሕጂ ውን እንቆረጸ ምኩማር ቀጸለ ንእሽተይ ሕልፍ ኢሉ ከኣ ሓደ ሰብ ኣብ ጥቃ ቀላይ ብሰባር ዕትሮ ማይ ኪቀድሕ ተመልከተ እቲ ዕትሮ ሰባር ስለዚኮነ እቲ ማይ እንደገና ናብቲ ቀላይ ይምለስ ነበረ እቲ ድምጺ ዳግማይ ንዓ ካልእ ነገር ከኣ ከርእየካ ኢሉ ወሰዶ ኣብ ሓደ ስፍራ መቕደስ ኣርኣዮ ክልተ ሰባት ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ጎድኒ ንጎድኒ ኮይኖም መጽኡ ኣብ ማእገሮም ኣባትሮም ጫፍን ምስ ጫፍ ኣጋዲሞም ሒዞም ነበሩ ናብ ውሽጢ ገዛ ክኣትው እንተደለዩ ኣባትሮም ጋድም ስለዝሓዝዎ ይክልክሎም ነበረ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ብምን ነቲ በትሪ ቅድምን ድሕርን ገይሮም ክኣትዉ ኣይደለዩን ስለዚ ብህልክ ዝኣክል ኣብ ግዳም ተረፉ እቲ ድምጺ ነቲ ኣረጋዊ ኣቦ ከምዚ በሎ እዞም ሰባት ኣርዑት ጽድቂ ብትዕቢት ተሸኪሞም ። ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ውን ሸፈኖ ውቁብ ዝኾነ ፍረ ውን ኣፍረየ እተን ኣዕዋፍ ሰማይ ካብቲ ፍረ ንምብላዕ ይመጽኣ ነበራ ብመጠን ዝተመገብኦ ከኣ እቲ ፍረ ብዝበለጸ እንተዛሕዝሐ ይኸይድ ነበረ ኣብ ካልእ ግዜ ከኣ ቅዱሳን ሓደ ራእዬ ተመልከቱ ብእግዚኣብሄር ተኣዚዞም ሓያሎ መላእክት ናብ ምድሪ ወረዱ ብኣእዳዎም ብብራና ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ሒዞም ነበሩ እዚ ንመን ንሃቦ ብምባል ተዛረቡ ሓደ ንእከለ ካልእ ንእከለ በለ ካብ መንጉኦም ግን ብርግጽ ኩላቶም ቅዱሳን እዮም ካብ ኣባ ኤፍሬም ንላዕሊ ግን ነዚ ክቕበሎ ዝኽእል የለን ዝብል ድምጺ መጽጸአ ሓደ ኣረጋዊ ቅዱስ እውን እቲ ፓፒረስ ንኣባ ኤፍሬም ክውሃብ ከሎ ተመልከተ ካብ ኣንደበት ኣባ ኤፍሬም ከም መንጫዕጫዕታ ኮይኑ ክወርድ ከሎ ረኣየ በዚ ከኣ ካብ ኣንደበት ኣባ ኤፍሬም ዝወጽእ ነገር ኩሉ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከምዝርከብ ኮይኑ ተረድአ ሓንቲ ዘማዊት ንኣባ ኤፍሬም ኣብ መንገዲ ጸኒሓ ብናይ ዝሙታዊ ቃላት ተዛሪባ ከተሕፍሮ ጀመረት ሽሕ እኳ ንኣባ ኤፍሬም ብፍላጻ ዝሙት ከተውድቆ እንተጸገማ ክቁጣዕ ከሎ ክትርእዮ ግን ተሃንጠየት ንሱ ኣብ ናብራ ህይወቱ ክንድር ዝረኣዩ ሓደ ሰብ ኣይነበረን ኣባ ኤፍሬም ስዓብኒ በላ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ዝተኣከብሉ ስፍራ ኣብ ዝበጽሕሉ ህሞት በሊ ኣብዚ ቦታ እትደልዮ ነገር ንፈጽም በላ ወዮ ዘማዊት ትቕብል ኣቢላ ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ሕዝቢ ነዚ ነገር ክፍጽም ኣይሓፍርን ዶሠ ክትብል ሓተተቶ ንሱ ውን ኣብ ቅድሚ ሰብ እንተሓፈርና ኣብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከ ማዕረ ክንደይ ክንሓፍር ይግብኣና ንሱ ብጸልማት ዝተሰወረ ኩሉ ኣይሕብኦን ዩ እሞ በላ ኣብቲ ግዜ ቲ ብሕፍረት ተሓቺና ተሽቐርቆረት ተገሪማ ውን ሓዲጋቶ ከደት በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኤቫግረዮስ ኣብ በዓትካ ተቐመጥ ልብኻ ጠርንፍ። በዚ መልክዕ ድማ ብዘይ ጸገም ንረኽባ ተበሃሃሉ ናብቲ ቀጽሪ ቤታ ተጓዒዞም ከፋጽዩ ጀመሩ ንሳ ግን ድምጺ ፋጻ ምስ ሰምዐት ኣእዛና ደፈነት ናብ ውሽጢ ሕልፍንኣ ኣተወ ነቲ ማዕጾ ገጥ ኣቢላ ዓጸወቶ እዛ ጓልኣንስተይቲ ናትና ነፍሲ ምስሊ እያ ፈተውታ ዝተብሃሉ ፈተነታት እዮም ገዛኢ ዝተባህለ ከኣ ክርስቶስ እዩ ሕልፍና ዝተባህለ ከኣ ዘልኣለማዊ ቤት እዩ እቶም ዘፋጽዩ ከኣ ክፉኣት ኣጋንንቲ እዮም እንተኾነ ግን ነፍሲ ኩሉ ግዜ ብክርስቶስ እምባነት ትሕባእ ኣባ ዮሓንስ ልቦናኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለዝነበረ ንምድራዊ ነገራት ይዝንግዕ ነበረ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሓዉ ዘንቢል ክወስድ ናብ ኣባ ዮሓንስ በዓቲ መጽአ ኣባ ዮሓንስ እንታይ ደልዩ ከምዝኾነ ሓተቶ እቲ ሓዉ እውን ዘንቢል ደልየ በሎ ኣባ ዮሓንስ ናብ በዓቱ ተመልሰ እሞ ዘንጊዕዎ ናብ ስራሕ ማእለማ ኣምርሐ ቁሩብ ጸኒሑ እቲ ሓዉ ኳሕኩሐ። እንተኾነ ግን ኣብ ኩላቶም ሓዲሩ ዝሰርሕ ሓደ መንፈስ ቅዱስ እዩ ሪቃረያዕ ኣባ መቃርዮስ ዓቢይ ዝተወለደሉ ዘመን ብሐሐሑዓም ኪኸውን ከሎ ኣብ ከባቢ ንጥራን ብገመል ዚነግድ ዚነበረ ነጋዳይ እዩ ኣብ ገዳመ ኣስቄጥስ ምንኩስናዊ ሕይወት ካብ ዘደልደሉ ኣበው ሓደ እዩ መጀመርያ ብዱቁና ተሽይሙ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብምናኔያዊ ሕይወት ይነብር ነይሩ ቀጺሉ ግን ናብ ገዳም አስቄጥስ ብምምጻእ ኣብኡ ገዳማዊ ሕይወት ኣስፋሕፊሑ ብጩሕኩዓጅ ከኣ ዓሪፉ ኣብ ሓደ ወቅቲ ኣባ መቃርዮስ ነዚ ታሪክ ዚ ተዛሪቡ ነይሩ። ናብዚ ገዳም ከኣ መጻእኩ ሓደ ግዜ ኣባ መቃርዮስ ካብ ገዳም ኣስቄጥስ ናብ እምባ ንጥራ ንኣባ ፖምቦ ንምርካብ ደየበ ኣብኡ ዘለዉ መነኮሳት ቅኑዕ መነኮስ መን ከምዝኾነ ሓተትዎ ኣባ መቃርዮስ ከኣ ኣነ ገና መነኮስ ምን ኣይጀመርኩን እንተኾነ ግን ዚመንኮሱ መነኮሳት ርእየ የ በለ እሞ ቀጺሉ ዘሎ ታሪኽ ነገሮም ሓደ ግዜ ኣብ ውሻጠ በዓተይ ተቐሚጠ ከለኹ። ኣብ ግዜ ዛሕሊ ኣይንቆርርን ኣብ ግዜ ሙቐት ውን ኣይቃጽለናን ክብሉ መለሱለይ ነዚ ዩ ገና መነኮስ ኣይኮንኩን ዚበልክኹም ኣባ መቃርዮስ ኣብ ምድረ በዳ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ብብሕትውና ዚነብር ንሱ ጥራሕ ነበረ ካብቲ ናቱ በዓቲ ርሕቕ ኢሉ ኣብቲ ካልእ በረኻ ብዙሕ መናንያን ነበሩ ሓደ ግዜ ኣባ መቃርዮስ ንሰይጣን ብሰብ ተመሲሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳድ ዚተፈላለዩ ናይ መግቢ ኣቼሑት ኣንጠልጢሉ ክጓዓዝ ረኣዮ ኣብ መቃርዮስ ንሰይጣን ናበይ ትጓዓዝ ኣለኻሠ ክብል ሓተቶ ሰይጣን ከኣ ናይ ኣሕዋት ልቦና ንምህዋክ ይኸይድ ኣለኹ ክብል መለሰ ስለዚ ናይዘን ንኣሽቱ ናይ መግቢ ኣዌሑት ረብሓኡ እንታይ እዩሠ ክብል ሓተቶ ኣሕዋት ክጥዕሞም ምእንታን መግቢ ሒዘሎም ይኸይድ ኣለኹ በሎ ኣባ መቃርዮስ እዚ ኩሉ ዓይነት መግቢ እሞ እንታይ ክገብረልካ ዩሠ ኢሉ ሓተቶ ሓደ ብጻይ ንሓደ ዓይነት መግቢ እንተዘይፈቲዎ ንካልእ እህቦ ንእኡ እንተዘይፈቲዎ ሳልሳይ የቕርበሉ ከምዚ እናገበርኩ ብውሑዱ ሓደ ዝፈትዎ መግቢ ይረኽበሉ ኢሉ ነጊርዎ ካብኡ ተፈለየ ኣባ መቃርዮስ እቲ ሰይጣን ዚተጋዓዘሉ መንገዲ ኣሰር መንገዱ እናረኣየ ክሳብ ዚምለስ ተጸበዮ ኣብ መወዳእታ ሰይጣን ተመሊሱ ክመጽእ ረኣዮ እሞ ጥዕና ይሃበለይ በሎ ከመይ ገይረ ጥዕና ክረክብ ክብል መለሰ ወዮ ሰይጣን ኣባ መቃርዮስ እንታይ ማለቱ ከምዝኾነ ክነግሮ ተወከሶ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይተቐበለንን ኩላቶም ተቃዊሞምኒ ክብል መለሰሉ ንዓኻ ዚኸውን ማንም ሰብ ካብዚ በረኻ ኣይረኸብካንሠ ክብል መቃርዮስ ሓተቶ ብርግጽ ሓደ ኣብቲ በረኻ ዚነብር ሓደ መነኮስ ረኺበ እየ እንተዘይኮነ ንሱ ሕራይ ኢሉኒ ምስ ረኣየኒ ከም ንፋስ ኮይኑ ተቐይሩ በለ ሰይጣን ስሙ መን ይበሃልሠ ብምባል መቃርዮስ ሓተቶ ቴዎዲምጦስ ይበሃል ኢሉ እቲ ሰይጣን ብሓዘን መንገፉ ቀጸለ ኣባ መቃርዮስ ነዚ ምስ ሰምዐ ካብኡ ተበጊሱ ናብቲ ምድረ በዳ ወረደ ናቱ ምምጻእ ምስ ሰምዑ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ኩላቶም ኣሕዋት ቆጽሊ ስየ ሒዞም ኪቕበልዎ ወጽኡ ነፍሲ ወከፍ መናኒ ኣባ መቃርዮስ ዚመጽእ ንዓይ ኪግሰጽ እዩ እናበለ ልቦናኡ ድሉው ገበረ ኣባ መቃርዮስ ግን ንኩላቶም ገዲፉ ቴዎዲምጦስ ዚተባህለ መናኒ ኣበይ ከምዘሎ ክሓትት ጀመረ እቶም መነኮሳት ናይቲ ወናኒ በዓቲ ኣርኣይዎ እሞ ናብኡ ኣምርሐ ቴዎዲምጦስ እውን ንኣባ መቃርዮስ ተቐበሎ ኩላቶም ከይዶም ኣባ መቃርዮስን ቴዎዲምጦስን ንበይኖም ምፍተረፉ ኣባ መቃርዮስ ሕይወት እንታይ እዩሠ ክብል ሓተቶ ቴዎዶምጦስ እውን ብጸሎትካ ኩሉ ነገር ጽቡቕ እዩ ክብል መለሰ ክፉእ ሓሳብ ኣብ ልቦናኻ እናመጽአ ኣይፈታተነካንሠ ክብል ሓተቶ ቴዎዲምጦስ ንኣባ መቃርዮስ ስለዚፈርሐ ኣይ ሰላም እየ ኢሉ መለሰሉ ኣባ መቃርዮስ ተዓዲልካ ኢኻሁተመልከት ከኣ ንብዙሕ ዘመናት ዚኣክል ብምናኔ ነይረ የ። ጎይታ ንዓኻ ከረድኣካ ክመጽእ ዩ ክብል መኸሮ ድሕሪ ዚ ኣባ መቃርዮስ ናብ በዓቱ ተመለሰ ኣብ ካልእ ግዜ ኣብ ኣፍደገ በዓቱ ተቐሚጡ ንሰይጣን በዚ መንገዲ ዚ ክሳብ ዝሓልፍ ይጽበዮ ነበረ ሰይጣን በቲ መንገዲ ናብቲ ገዳም ንምኻድ መጽአ ኣባ መቃርዮስ ናበይ ትጓዓዝ ኣለኻሠ ክብል ሓተቶ ናይ ኣሕዋት ልቦና ንምህዋክ ይኸይድ ኣለኹ በሎ እሞ ከደ ተመሊሱ ምስ መጽአ ኣሕዋት ከመይ እዮምሠ ክብል ሓተቶ ካብ ዝሓለፈ ዝበኣሰ ከምዝኾኖን ምንም ከምዘይተሳለጠሉ ነገሮ ኣባ መቃርዮስ ንምንታይ ከምዝኾነ ሓተቶ ኩሎም ጽኑዓን ኮይኖምኒ። ኣባ እንጦንስ ናብ ዚነበርሉ እምባ ደየበ ናብ ኣባ እንጦንስ በዓቲ ቀሪቡ ኢዱ ኣጣቕዐ ኣባ እንጦንስ ካብ በዓቱ ወጺኡ መጽአ እሞ ንስኻ መን ኢኻሠ ክብል ሓተቶ ኣባ መቃርዮስ ውን ኣነ መቃርዮስ እየ ኢሉ መለሰ ኣባ እንጦንስ ናብ በዓቱ ተመሊሱ ኣተወ እሞ ማዕጽኡ ዓጸዎ ኣባ እንጦንስ ናይ ኣባ መቃርዮስ ብትዕግስቲ ጸኒዑ ምጽባዩ ተመልከተ እሞ ነቲ ማዕጾ ከፈተሉ መቃርዮስ ብደስታ ተቐበሎ ኣባ እንጦንስ ንዓኻ ንምርኣይ ንነዊሕ ዘመን ይናፍቕ ነይረ ብዛዕባኻ ብዙሕ ይሰምዕ ነይረ በሎ ንሓደ ጋሻ ዚግባእ ክብሪ ገበረሉ ደኺሙ ስለዝነበረ ክዓርፍ ኣንጸፈሉ ምስ መሰየ ኣባ እንጦንስ ንገዛእ ርእሱ ሒደት ፍረታት ተምሪ ሸምጠጠ ኣባ መቃርዮስ በጃኻ እነ ውን ንገዛእ ርእሰይ ፍረታት ክሽምጥጥ ፍቐደለይ በሎ ኣባ እንጦንስ ውን በል በርትዕ በሎ ብዙሕ ጨንፈር ስየ ኣከበ እሞ ፍረታት ሸምጠጠ ቀጺሎም ምሸት ፈትሊ እናኣለሙ ብዛዕባ ድሕነት ነፍሶም ክዛተዩ ጀመሩ ኣባ መቃርዮስ ዚሰርሖ ገመድ ኣብቲ መስኮት በዓቱ ተንጠልጢሉ ነይሩ ኣብ ወጋሕታ ናይቲ ገመድ ንውሓት ዚተመልከተ ኣባ እንጦንስ ካብዘን ድኹማት ኣእዳው ከመይ ዚበሉ ጉልበት ተረኽበሁ ክብል ተደነቐ ኣባ ሲላስ ብዛዕባ ኣባ መቃርዮስ እዚ ዝስዕብ ተዛሪቡ ነይሩ ምስ ኣባ መቃርዮስ ሸውዓተ ርእስና ኮይና ንወፍሪ ዓጺድ ወጺና ነይርና ኣብቲ ግዜ ቲ ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ደድሕሬና እናኸደት ክትስዕበና ጀመረት ኣባ መቃርዮስ ንወናኒ ቲ ሕርሻ ጸዊዑ እታ ሰበይቲ እንታይ ከምዝኾነት ሓተቶ በዓል ቤታ ካብ ሰብ ገንዘብ ወሲዱ ኣበይ ከምዘቐመጦ ከይረኣያ ሞተ እታ ሰበይቲ እንታይ ከምዝኾነት ሓተቶ በዓል ቤታ ካብ ሰብ ገንዘብ ወሲዱ ኣበይ ከምዘቐመጦ ከይረኣያ ሞተ እቲ ኣለቃሒ ሕጂ መጺኡ እቲ ገንዘብ እንተዘይኣምጺክዮ ንደቅኺ ወሲደ ባሮት ክገብሮም እየ በላ ክብል ነገሮ ኣብ ሰዓታት ዕረፍትና ክትመጽእ ከምዘለዋ ነገራ በሎ ንወናኒ ቲ ሕርሻ እታ ሰበይቲ ኣብ ሰዓታት ዕረፍትና መጸት ኣባ መቃርዮስ ከምዚ ኮይንኪ እተልቅሲ ንምንታይ ዩሠ ኢሉ ሓተታ በዓል ቤተይ ብወለድ ገንዘብ ካብ ሰብ ወሰደ እንተኾነ ግን ኣበይ ከምዘቐመጦ ከይነገረኒ ብድንገት ሞተ ክትብል ነገረቶ በዓል ቤትኪ ኣበይ ከምዚተቐብረ ኣርእይኒ በላ ኣባ መቃርዮስ ኖኣና ኣሰንዩ ብመሪሕነት እታ ሰበይቲ ናብቲ መቓብር ተጓዓዘ ነታ ሰበይቲ ነቲ ቦታ ድሕሪ ምርኣይኪ ናብ ቤትኪ ኪዲ በላ ብድሕሪ ዚ ንኣሕዋት ጸልዩ ኢሉ ኦ እገለ ። እቲ ገንዘብ ኣበይ ኢኻ ኣቐሚጥካዮሠ ክብል ነቲ መቓብር ሓተቶ እቲ በድነ ስግኡ ለፀዐዕመ ሬሳሊ ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣብ ትሕቲ ዓራት እዩ ክብል መለሰሉ ኣባ መቃርዮስ በል ክሳብ ዕለተ ትንሳኤ ትንሳኤ ዘጉባኤሊኣብ ዘሎካዮ ዕረፍ ክብል ተዛረቦ ነዚ ዝሰምዑ የሕዋት ብፍርሓት ተዋሕጡ ነዚ ተኣምር ዚሰርሐ ምእንቲ እዛ ሰበይትን ደቃን ክብል እዩ እዛ ነፍሲ ብዘይ ሓጢኣት እንተትነብር እግዚኣብሔር ኩሉ ነገር ከምዝህባ ዘመልክት ዩ በለ ድሕሪ ዚ በዓል ቤታ ንዚምታ ሰበይቲ እቲ ገንዘብ ኣበይ ከምዘሎ ነገራ ንሳ ከኣ ወሲዳ ነታ ኣለቓሒ ሃበቶ እቶም ደቃ ከኣ ነጻ ወጽኡ ነዚ ታሪክ ዚሰምዑ ኩላቶም ንልዑል እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣመስግኑ ኣባ ጴጥሮስ ዚተባህለ ኣቦ ብዛዕባ ኣባ መቃርዮስ ነዚ ተዛረበ ሓደ ግዜ ኣባ መቃርዮስ ናብ ሓደ ዚሓመመ ባሕታዊ መጽአ ቀሪቡ ሓደ ዝብላዕ ነገር ረኺቡ እንተኾይኑ ሓተቶ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ግን ምንም ነገር ኣይነበረን እቲ ሕሙም ባሕታዊ ሒደት ፓፓዮ ጥራሕ ኣለኒ ክብል መለሰ ኣባ መቃርዮስ ማንም ከይረኣዩ ተበጊሱ ብናይ እርጋን ለሽምግልናሊጉልበቱ ክሳብ ከተማ እስክንድርያ ብምጉዓዝ ነቲ ሕሙም ዚኸውን ሒዙሉ መጽጸአ ሓደ መዓልቲ ኣባ መቃርዮስ ናይ ስኔል ገረብ ቆሪጹ ናብ በዓቱ ክምለስ ከሎ ኣብ መንገዲ ሰይጣን ነዊሕ። ንስኻ ንዓይ ዚሰዓርካኒ ብሓደ ነገር ጥራሕ እዩ እዚ ከኣ ፍጹም ዝኾነ ትሕትናኻ እዩ በዚ ዚተበገሰ ከኣ ኣብ ልዕሌኻ ዝኾነ ምልኪ ለስልጣንሊስኢነ ኢልዎ ከደ ካብ ኣሕዋት ሓደ ናብ ኣባ መቃርዮስ መጺኡ በጃኻ ንሕይወተይ ዚኸውን መምርሒ ሃበኒ በሎ ኣባ መቃርዮስ ነቲ ብጻይ ናብ መቃብር ኢድ እሞ ኣብ ልዕሊ ሙታን ክፉእ ገበረሎም ኢሉ ለኣኾ እቲ ሰብ ከኣ ኣብ ልዕሊ ቶም ሙታን እምኒ ብምውርዋርን ብምጽራፍን ዚተለኣኾ ፈጺሙ መጽአ ኣባ መቃርዮስ እንታይ ኢሎምኻ ክብል ሓተቶ እቲ ብጻይ ወልሓደ ኣይበሉንን ኢሉ መለሰ ንጽባሒቱ ተመሊስካ ንዓ እሞ ኣመስግኖም በሎም ንጽባሒቱ እቲ ብጻይ ናብ ቦታ መቓብር ተጓዒዙ ነቶም ምውታን ሓዋርያት ። ንዓኻትኩም ውን ዳቤ ከምጽእልኩም ዮም በልክዎም ድሕሪ ዚ ገዲፈዮም ከድኩእቲ ዘገርም ግን ብዘይ ጥርጥርን ብዘይ ምስልቻውን እቲ ኩሉ ዝኣዘዝክዎም ክፍጽም ጀመሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ናባይ ኣይመጽኡን በዚ ዚተበገሰ ኣብ ሓሳበይ እንታይ ዓይነት ሕይወት እናነበሩ ይኸውንሠብዛዕባ ቲ ዘጋጥሞም ጾር ንምምካር ንምንታይ ናባይ ዘይመጽኡሠርሑቕ ዘለዉ ከማኽሩኒ ክመጽኡ ኣብዚ ኣብ ጥቓይ ዘለዉ ንምንታይ ትም ኢሎምሠናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ከይዶም ኣይፈልጡን ስጋ ወደሙ ንምቕባል ብኣርምሞ ናብ ቤተክርስትያን ጥራሕ ይኸዱ እናበልኩ ከውጽእ ከውርድ ጀመርኩ ብዛዕባ ቲ ኩነታት ናብ እግዚኣብሔር ጸለኹ ናይዞም ኣሕዋት ሕይወት ክገልጸለይ ምእንታን ምሉእ ሳምንቲ ጾምኩ ኣብ መወዳእታ ሳምንቲ ተንሳኩ እሞ ክርእዮም ናብ በዓቶም ኣምራሕኩ ማዕጾ ምስ ኳሕኳሕኩ ክፈቱለይ እሞ ብኣርምሞ ሰላም ሃቡኒ ጸሎት ድሕሪ ምግባርና ዕርፍ በልኩ እቲ ዓቢይ ንንእሽተይ ምልክት ምስ ሃቦ እቲ ንእሽተይ ወጺኡ ከደ እቲ ዓቢይ ኮፍ ኢሉ ገመድ ምእላም ቀጸለ ዝኾነ ይኹን ቃል ኣይተንፈሰን ልክዕ ተሰዓቱ ሰዓት ለጎዓት ጩሐኡድቿሊኪኸውን እቲ ንእሽተይ ኩሕኩሐ እሞ ኣተወ በቲ ዓቢይ ምልክት መንበር ኣዳለወ ቀጺሉ ኣብ ቅድሜና ብኣርምሞ ደው በለ ኣነ ውን ተንሲእና ኣብቲ መንበር ንስየም በልኩ እሞ ብሓባር ቀረብና ምሸት ምስ ቀረበ ኣባ ክትከይድ ዲኻሠ ኢሎም ሓተቱኒ ኣይ ኣብዚ እየ ዚሓድር በልክዎ ኣብ ሓደ ጸግዒ ንዓይ ተንኮበት ኣንጹፉለይ ኣብ ካልእ ጸግዒ ከኣ ንገዛእ ርእሶም ኣንጸፉ መዕጠቼኦምን ዓጽፍኦምን ኣውሊቆም ብሓደ ደቀሱ ልክዕ ምስ ደቀሱ ናይ ሕይወቶም መንገዲ ክገልጸለይ ምእንታን ናብ እግዚኣብሔር ጸለይኩ ኣብዚ ግዜ ቲ እቲ ናሕሲ ተኸፍተ እቲ ብርሃን ውን ከም ቀትሪ ብርሃን ኮነ ንሳቶም ግን ነቲ ብርሃን ኣይርኣይዎን ነበሩ ልክዕ ደቂሰ ስለዚመሰሎም እቲ ዓቢይ ጎኑ ትንክፍ ትንክፋ ኣቢሉ ነቲ ንእሽተይ ቀስቀሶ እሞ ተንስኡ መዕጠቺኦም ኣሰሩ ኣእዳዎም ናብ ሰማይ ዘርግሑ ኣነ እርእዮም ። እቲ ንእሽተይ ግን ገና ኣጋንንቲ እናተዋግእዎ ምኳኑ ተረዲአ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እቲ ዓቢይ ዓረፈ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ እቲ ንእሽተይ ሰዓቦ ኣበው ናብ ኣባ መቃርዮስ ክርእይዎ ኣብ ዚመጽኡሉ እዋን ናብቶም ናይቶም ኣሕዋት በዓቲ ይወስድ እሞ ንዑሀናይ መንእሰያት ኣጋይሽ ናይ ሰማዕትነት ስፍራ ረኣዩ ይብሎም ነበረ ሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ እምባ ዚርከቡ ኣረጋውያን ኣበው ናብ ገዳሜ ኣስቄጥስ ናብ ኣባ መቃርዮስ ከምዚ ኢሎም መልእክት ለኣኹሠ በጃኻ ናብ ጎይታ ቅድሚ ምኻድካ ንዓና ንምርኣይ ደይብ እንተዘይኮነ ኩሉ ሰብ ክሓዝን ኪነብር ዩ ኣባ መቃርዮስ ተንሲኡ ናብቲ እምባ ደየበ ኣብኡ ምስ ሓሰበ ኩላቶም ተኣከቡ እሞ ሓደ ምኽሪ ንገረና በልዎ ንዑ ኣሕዋተይ ። ኣብ ውሽጢ መከራ ኣብ ስቅያት ዘለዉ ሎብ ሲኦልሊወገናት ሒደት እኳ ኣብ ዝጸለኻሎም ግዜ ሩፍታ ይረኽቡ በለኒ ኣነ ውን እዚ መከራ እንታይ ዩሠእቲ ሩፍታ እንታይ ዩሠ ኢለ ሓተትክዎ እቲ ሽክና ርእሲ ሰማይ ካብ ምድሪ ዝርሕቀቱ ዘመልአ እሳት ኣብ ትሕቴና ኣሎ ኩላትና ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እሳት ደው ኢልና ካብ ጽፍሪ እግርና ክሳብ ጸጉሪ ርእስና በቲ እሳት ተዋሒጥና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ገጽ ንገጽ ንምርእኣይ ኣይክእልን ናይ ሓደ ሰብ ገጽ ምስ ካልእ ሰብ ሕቆ ዝተጣበቐ እዩ እንተኾነ ግን ንስኻ ምስ እትጽልየልና ነፍሲ ወከፍና ብመጠኑ መን ይኹን ገጽ ንገጽ ንረኣኣይ ንዓና ሩፍታ ማለት እዚ ዩ በለኒ ኣነ ውን ብንብዓት ተዋሓጥኩ እዚ ሰብ ዚ ዚተወለደላ መዓልቲ ክንደየናይ ዚተረግመት ትኸውን በልኩ ነቲ ሽክና ርእሲ ካብዚ ዝበኣሰ ካልእ መቕጻኦቲ ከ ኣብኡ ኣሎሠኢለ ሓተትክዎ እቲ ሸክና ርእሲ ካባና ትሕት ኢሉ ዚበኣሰ ናይ መከራ ስፍራ ኣሎ ኢሉ መለሰለይ ኣነ ውን ኣብኡ ዘለዉ እነመን ዮምሠ ክብል ሓተትኩዎ ንሕና ንእግዚኣብሔር ንምፍላጥ ዕድል ስለዘይነበረና ዚተወሰነ ምሕረት ንረክብ ኢና። ሓንቲ ሰናይ ቃል ግን ንክፉእ ሰብ ሰናይ ናይ ምግባር ድርኺት ኣለዋ ይብል ነበረ ሓደ ግዜ ኣባ መቃርዮስ ካብ በዓቱ ወጺኡ ከሎ ሰራዊ መጸ እሞ ዘሎ ንብረት ብገመል ክጽዕን ጀመረ ኣባ መቃርዮስ ምስ መጸአ ነቲ ዝተረፈ ንብረት ብምጽዓን ነቲ ሰራዊ ሓገዞ እቲ ሰራዊ ንኹሉ ኣቹሑት ጽዒኑ ምስ ኣብቅዐ ነታ ገመል ከልዕላ ፈተነ እንተኾነ ግን ኣበየቶ ኣባ መቃርዮስ ናብ በዓቱ ኣትዩ ሓንቲ ዚተረስዐት መኩዓቲት ኣምጽአ እሞ ክቡር ሓወይ ነዚ ክትወስድ ደልያ ትኸውን ኢሉ ጸዓነልሉ ድሕሪ ዚ እታ ገመል ከልዕላ ኣዘዛ እታ ገመል ትእዛዙ ኣኽቢራ ብምትንሳእ ሒደት ድሕሪ ምስጓማ ተመሊሳ ተቐሚጣ ድሕሪ ዚ ግን እቲ ኩሉ ንብረት ክሳብ ዚወርድ ኣይትንስእን በለት ኦ ወደይ ንጎይታ ከተገልግል ክትብገስ ከለኻ ነብስኻ ንተጋድሎ ኣዳልዋ ልብኻ ኣጽናዓዮ ዝኾነ ይኹን ነገር ብትዕግስቲ ተቐበሎ ኣብ ዚተፈላለዩ ቦታ ዝኾነ ይኹን ብሰናይ ተቐበሎ ዝኾነ ይኹን ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይፍጸምን ዩ እሞ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ንምፍጻም እትደልይ ነፍሲ ቅድሚ ኩሉ ነገር ትዕግስቲ ጽንዓትን ተስፋን ንኽትውንን ክትቃለስ ኣለዋ ካብ ሜላታት ድያብሎስ ሓደ ኣብ ግዜ መከራና ክንፈዝዝ ምግባር እዩ ኣብዚ ህሞት ዚ ኣብ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘለና ተስፋ ንጽቅቅ እግዚኣብሔር ኣብኡ ተስፋ እትገብር ነፍሲ እግዚኣብሔር ኣይረድኣንን እዩ ክሳብ እትብል ብመከራ ክትከላበት ኣይገድፋን እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሰብ ክጸሮ ዘይክእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ኣምላኽ እሙን እዩ ስለዚ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ ምጽዋሩ ምእንቲ ክትክእሉ ግና ምስቲ ፈተናኹም መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ ለተቆሮ ሐ ሐጪ ይብል እዩ እሞ ሰይጣን ንነፍሲ ዚፍትና በቲ ዚደልዮ መጠን ዘይኮነ እግዚኣብሔር ብዝፈቐደሉ መጠን እዩ ኣብ ልዕሊ በቕሊ። ወንጌል ቅዱስ ዮሓንስ ምንባብ ኣይተቋርጽ ኢሉ መኺርዎ ከደ ኣባ መቃርዮስ ካብቲ በዓቱ ወጺኡ ኪከይድ ከሎ እቶም ኣእማን እናሰዓዎ መቃርዮስ ኣብ ገጽ ምድሪ ከም ኣምላኽ ኮነ ኢሎም ኣመስገንዎ ዳያያ ኣባ እንጦንስ ኣብ በረኻ ከሎ ብትካዘ ይዋሓጥ ብብዙሕ ጾር ውን ይፍተን ነይሩ በዚ ዚተበገሰ ኦ እግዚኣብሔር ንድሕነት ኢለ ናብዚ መጺአ እንተኾነ ግን እዞም ክፉእ ሓሳባት ክገድፉኒ ኣይከኣሉን እንታይ እንተገበርኩ ይሕሸኒሠ ብኸመይ ክገድፈኒ ይኽእልሠ ክብል ደለየ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ካብ በዓቱ ውጽእ ምስበለ ሓደ ንእኡ ዚመሰለ ሰብ ብስራሕ ተጸሚዱ ተመልከተ ቀጺሉ ከኣ እቲ ሰብ ተንሲኡ ክጽልይ ከሎ ረኣየ ዳግማይ ተመሊሱ ኮፍ በለ እሞ ምንጻፍ ክኣልም ጀመረ መሊሱ ተንሲኡ ጸለየ እቲ ሰብ ንኣባ እንጦንስ ስርዓተ ምንኩስና ንምስትምሃር ዚተላኣኸ መልኣኽ ነበረ እዚ መልኣኽ ከምቲ ዘርኣኹኻ እንተገይርካ ክትድሕን ኢኻ ኢሉ ክዛረቦ ኣባ እንጦንስ ሰምዐ ኣብቲ ግዜ ቲ ኣባ እንጦንስ ብደስታን ብጥብዓት ሑሉብዓት ቆራጽነትሊተመልአ ድሕሪ ዚ ከምቲ ዚረኣዮ ኪገብር ጀመረ ሓደ ግዜ ኣባ እንጦንስ ናይ እግዚኣብሔር ፍርዲ ክሓስብ ጀመረ ንእግዚኣብሔር ገለገለ ንምንታይ ኣብ ንእስነትኩም ካልኦት ኣዝዮም ብጣዕሚ ሸምጊሎም ይሞቱሠገለገለ ሃብታም ካልኦት ድኻታት ንምንታይ ይኾኑሠ ብምባል ሓተቶ ኣብቲ ግዜ ቲ ኦ እንጦንስ። ናብቲ ወደብ ምብጽሑ ግን እንድዒ በሎም ድሕሪኡ ጸግሩን ጭሕሙን እናነጸየ ከልቅስ ጀመረ እቶም ኣርድእቱ ኣባ ንምንታይ ተልቅስሠ ክብሉ ሓተቱ ዓቢይ ዓንዲ ቤተክርስትያን ወደቐ ሕሌቲ መንእሰይ መነኮስ ማለቱ ዩሊ በሎም ኪዱ እሞ እቲ ዚኾነ ሕተትዎ ኢሉ ለኣኾም እቶም ኣርድእቱ እቲ መነኮስ ኣብ ውሻጠ በዓቱ ዘሎ ምንጻፍ ተቐሚጡ ስለ ቲ ዚፈጸሞ ሓጢኣት ከልቅስ ረኸብዎ ንሱ ከኣ ንኣባ እንጦንስ እግዚኣብሔር ዓሰርተ መዓልታት ንስሓ ክህበኒ ምእንታን ጸልየለይ በልዎ በሎም ይኹን እምበር ኣብ መበል ሓሙሻይ መዓልቲ ዓረፈ ሓደ ግዜ መነኮሳት ብዛዕባ ሓደ መነኮስ እናኣመስገኑ ንኣባ እንጦንስ ነገርዎ እቲ መነኮስ ምስ መጽአ ክንዲ ቲ ምስጋና ዚቕበሎ ዚሰምዖ ባእታ ክጸርፍዎ መዓረ ክንደይ ከምዚዕገስ ንምርግጋጽ ብኽፉእ ተዛረቦ እቲ መነኮስ ግን ኣብዚሑ ተቐየመ ኣብቲ ግዜ ቲ ኣባ እንጦንስ ንስኻ ብግዳም ብዝተፈላለዩ ጌጽ ዚመልክዐ ውሻጥኡ ግን ሰረቕቲ ዚዘረፍዎ ዓዲ ትመስል በሎ ሓደ ግዜ ኣረጋውያን ናብ ኣባ እንጦንስ መጽኡ ካብ መንጎኦም ኣባ ዮሴፍ ዝብሃል ኣቦ ነበረ ኣባ እንጦንስ ምእንታን ክግምግሞም ካብ መጽሓፍ ሓደ ዓንቀጽ ኣውጺኡ እንታይ ማለት ዩሠ ኢሉ ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓቢይ ሓተቶም ኩላቶም ነናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ተዛረቡ ኣባ እንጦንስ ግን ኩላትኩም ኣይፈለጥኩምን በሎም ናብ ኣባ ዮሴፍ ትኩር ኢሉ ንስኻከ እንታይ ትብልሠ በሎ ኣባ ዮሴፍ ውን ኣይፈልጦን የ በለ ብሓቂ ኣባ ዮሴፍ መልሱ ረኺብዎ ክብል ተዛረበ ሓደ ግዜ ኣሕዋት ካብ ገዳመ ኣስቄጥስ ተበጊሶም ንኣባ እንጦንስ ክርእይዎ መጽኡ ብጃልባ ኪጓዓዙ ከለዉ ሓደ ኣረጋዊ ረኸቡ እቶም ኣሕዋት ግን መን ከምዚኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ ኣብ ጃልባ ኮይኖም ብዛዕባ ኣበው። ዚኾነ ደስ ዚበሎ ሰብ ናብቲ መጋሃጫ ኣትዩ ነታ ኣድጊ ክፈትሓ ይኽእል ዩ በሎም እዚ ማለት እዞም ኣሕዋት ናብ ልቦም ኩሉ ዚመጽእ ይዛረብዎ ወይ ይድሕድሕዋ ማለት ዩ ሓደ ብጻይ ኣብ ዓለም ዘለዎ ንብረት ሸይጡ ንድኻታት ሃቦም እሞ ንውልቃዊ ረብሕኡ ጥራሕ ኣትሪፉ ናብ ኣባ ኣንጦንስ መጽአ እቲ ኩሉ ዚገበሮ ነገሮ ኣባ እንጦንስ መነኮስ ኪትከውን እንተደሊኻ ኪድ እሞ ዘትረፍካዮ ሽጥ እሞ ካብቲ ዓዲ ስጋ ገዚእካ ንሰብነትካ ብእኡ ሸፍን እሞ ንዓ በሎ እቲ ብጻይ ከምዚተኣዘዞ ስጋ ገዚኡ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ለቢስዎ መጽአ ኣብ መንገዲ ኣኽላባት ከቢቦም ነኸስዎ። ኣምራታት ኣሳቐይዎ ናብ ኣባ እንጦንስ ምስ በጽሐ ብመሰረት ዚተኣዘዞ ምስራሑ ሓተቶ እቲ ብጻይ ውን እቶም ኣኽላባት ዚነኸስዎ ቁስሉ ንኣባ እንጦንስ ኣርኣዮ ኣባ እንጦንስ ውን ንዓለም ድሕሪ ምንዓቐም ንውልቃውነቶም ሓደ ዘትርፍ መነኮሳት ውግእ ብዚመጽሎም ኣጋንንቲ በዚ መልክዕ ዚ ይሳቐዩ በሎ ኣባ ገዳም ኣባ ኤልያስ ዚነብር መነኮስ ድቀትለውድቀትሊኣጋጠሞ እሞ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣባረርዎ ንሱ ናብ ኣባ እንጦንስ ከይዱ ንሒደት ግዜ ድሕሪ ምቕማጡ ናብቲ ገዳም መሊሱ ለኣኾ እንተኾነ ግን እቶም መሊሶም ኣባረርዎ እቲ ብጻይ ናብ ኣባ እንጦንስ ዳግማይ መጽአ ኣባ እንጦንስ ውን ሓንቲ ጃልባ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ተሰበረት። እንተኾነ ግን ዚኾነ ነገር ሓቲትካኒ ኣይትፈልጥን በሎ እቲ ኣቦ ከኣ ኦ ኣባ ሀንዓይ ንዓኻ ምርኣይ ጥራይ ኣኻሊ ዩ በሎ ሓደ ኣረጋዊ ኣባ ንቅዱሳን ኣበው ከርእዩ ምእንታን ንልዑል እግዚኣብሔር ለመኖ እግዚኣብሔር ከኣ ብዘይካ ኣባ እንጦንስ ንኩላቶም ኣርኣዩ ነቲ ዚመርሖ ዝነበረ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣባ እንጦንስ ኣበይ ኣሎሠ ክብል ሓተቶ እቲ መልኣክ ድማ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ ስፍራ ኣብኡ ኣባ እንጦንስ ኣሎ በሎ ሓደ ግዜ ኣባ እንጦንስ ካብ ንጉስ ቁስጥንጥንያ ይ ሎሚ ግሪክሊቆስጠንጢኖስ ናብ ቁስጥንጥንያ ኪመጽእ ከምዘለዎ መልእክቲ በጽሖ ኪኸይድ ዶስ ክተርፍ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከሎ ነቲ ረድኡ እንታይ ትመኽረኒ ክብል ሓተቶ እቲ ረድእ ከኣ እንተኹድካ እንጦንስ ክትብሃል ኢኻ። ንኣባ ጳውሊ እስካ እዚ ስርዓተ ምንኩስና ድሕረይ ክተርፍ ድዩ ወይ ክቕጽል ዝብል ካብ እግዚኣብሔር ጠይቀለይሠ በሎ ኣባ ጳውሊ ውን ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ሓተተሉ ድሕሪ ጸሎቱ ናይ ኣባ ጳውሊ ገጽ ብደስታ ተመልአ ኣባ እንጦንስ እንታይ ሪኢኻሠ ኢሉ ሓተቶ ኣባ ጳውሊ ውን ጻዕዱ ረጋቢት ንስኻ እናመራሕካያን ኣብ ልዕሊ ጠፈር ኪኸዱ ረኣኹ በሎ ኣባ እንጦንስ ውን እንታይ እዮምሠ ክብል ሓተቶ ብቆብዕ እትወልዶም ንጹሃን ጻድቃን መነኮሳት እዮም በሎ ዳያ ዕዎምዕ ብመበቆላዊ ትውልዱ ፍልስጥኤማዊ ዝኾነ ኣባ ስልዋኖስ ዓሰርተ ክልተ ኣርድእቲ ዚነበርሉ ማሕበረ ኣበ ምኔት ነይሩ እቲ ማሕበሩ ብጩኡኩዓጅ ናብ ደብረሲና ተጓዕዘ ቀጺሉ ናብ ጋዛ ከይዱ ኣብ ላቭራ ሰፈረ ዝዓረፈሉ ዘመን ቅድሚ ሕተሕዓጅ እዩ ሓደ ግዜ ኣባ ስልዋኖስ ምስ ኣሕዋቱ ተቐሚጡ ከሎ ተመስጦ መጺእዎ ብኡንብኡ ኣብ መሬት ብግንባሩ ተደፍአ ድሕሪ ነዊሕ ሰዓት ተንሲኡ ኣልቀሰ እቶም ኣሕዋት እንታይ እዩሠ ክብሉ ሓተትዎ ንሱ ግን ብኣርምሞ ኮይኑ ክነብዕ ጀመረ ኣብዚሖም ምስለመንዎ ናይ ጎይታ ፍርዲ ክምልከት ዓሪገ ነይረ ከይደ ውን ፍርዱ ረኣኹ ብዙሓት ከማና መነኮሳት ክኮነኑ ብዙሓት ዓለማውያን ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ ተመልከትኩ በለ ኣባ ስልዋኖስ ብዓሚቕ ሓዘን ተዋሓጠ ድሕሪ ዚ ካብ በዓቱ ኪወጽእ ኣይደልይን ነበረ ብግዲ ዚወጽኣሉ ምኽንያት እንተኣጋጢምዎ ገጹ ብዓጽፊ ሸፊኑ ከምዚ እናበለ ይጓዓዝ ነበረ ነዚ ምድራዊ ብርሃን ንምርኣይ ንምንታይ የድልየኒ ዝኾነ ኮይኑ ረብሓ የብሉን ኮ ኣብ ካልእ ግዜ ውን ኣብ በዓቱ ከሎ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ኣብ ውሽጢ ተመስጦ ኣተወ ረድኡ ዘካርያስ ምስ ኣተወ ኣብ ተመስጦ ምኽኑ ምስተረድአ ንማዕጾ ዓጽዩ ወጽአ ኣብ ሰዓት ሽዱሽተን ትሽዓተን ዘካርያስ ምስ ተመልሰ በዚ ኩነት ነበረ ኣብ ሰዓት ዓሰርተ ተመሊሱ መጺኡ ኳሕኳሑ ምስኣተወ ኮፍ ኢሉ ረኸቦ ዘካርያስ ውን ኣባ ሎሚ እንታይ ገጢሙካሠ በሎ ኣባ ስልዋኖስ ውን ኦ ወደይ ሎሚ ሓሚመ ኣለኹ በሎ ዘካርያስ ብኡንብኡ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተደፊኡ እቲ ዚረኣዮ እንተዘይነጊርካኒ ኣይገድፈካን የ በሎ ኣባ ስልዋኖስ ውን ናብ ሰማይ ተነጢቀ ናይ እግዚኣብሄር ክብሪ ይምልከት ነይረ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ነይረ ሕጂ ግን ተመለስኩ በሎ ኣባ ስልዋኖስ ኣብ ደብረ ሲና ከሎ ረድኡ ዘካርያስ ንመልእክቲ ናብ ግዳም ምስ ወጽአ ንኣባ ስልዋኖስ ነቲ ጉድጓድ ከፊትካ ንኣትክልቲ ኣስትዮ ኢሉዎ ከደ ኣባ ስልዋኖስ ንገጹ ብኣጽፉ ሸፊኑ እግሩ ጥራሕ እናረኣየ ነቲ ኣትክልቲ ከስትይ ጀመረ ኣብቲ ግዜ ቲ ሓደ ብጻይ መጽአ እቲ ዚገብሮ ሪኡ ተገረመ እሞ ኣባ ነዚ ኣትክልቲ ከተስትይ ከለኻ ንምንታይ ብዓጽፍካ ትሽፍኖሠ ክብል ሓተቶ ኣዒንተይ ነዞም ኣግራብ ከይርእዩ ኢለ እየ ወደይ። ምናልባት ሓሳበይ ብእኣቶም ይስረቕ ከምዚኾነ መን ይፈልጥ በሎ ሓደ ብጻይ ንኣባ ስልዋኖስ ንምርኣይ ናብ ደብረሲና ደየበ ኣብኡ ዚረኸቡ ኣሕዋት ተጊሆም ክሰርሑ ረኣየ እሞ ንኣባ ስልዋኖስ ምእንቲ እቲ ሓላፊ መግቢ ኣይትድከሙ ለዮሓ ፏጪማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሰናይ ግደ ሓርያ ኣላ ለሉኑቃ ሐኡሕሐሓሏሊዝብል ቃለ ሕያው መጽሓፍ ኣሎ ኣባ ስልዋኖስ ንረድኡ ዘካርያስ ዘካርያስ ነዚ ብጻይ መጽሓፍ ሃቦ እሞ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ኣንብሮ ካልእ ነገር ግን ኣይትሃቦ በሎ እቲ ብጻይ ሰዓት ትሽዓተ ምስኮነ ምናልባት ሓደ ሰብ ንማዕዲ ይጽውዓኒ ይኸውን ኢሉ ነቲ ማዕጾ ክርእይ ጀመረ ማንም ምስ ሰኣነ ተንሲኡ ናብ ኣባ ስልዋኖስ ተጓዓዘ እሞ ሎሚ ኣሕዋት ደኣ ኣይበልዑን ድዮምሠ ክብል ሓተቶ ኣባ ስልዋኖስ ተመጊቦም ምውዳኦም ነገሮ ስለዚ ንምንታይ ድኣ ንዓይ ዘይጸውዓክሙኒሠ በሎ ኣባ ስልዋኖስ ምኽንያቱ ንስኻ መንፈሳዊ ስለዝኾንካ ነዚ ዚኣመሰለ ተግባር ኣየድልየካን ዩ ኢልና ኢና ንሕና ስጋውያን ስለዝኾንና ንምገብ ኢና እንሰርሕ ከኣ በዚ ምኽንያት ዩ ንስኻ ግን ዘይወሰዱልካ ዕድል መሪጽካ ኢኻ። በዞም ውሻጠ ናይ ነፍሲ ውጻእ ውረድ ብምሕላፍ ኣብ ትሕቲ ዓይኒ ጸላኢና እናሓለፍና ምኳና ክትርዳእ ምእንታይ ዩ ዘይምቼጣዕ ሐይምንዳርሊሰናይ እዩ እንተኣጋጢሙ ግን ሓዋርያ ነዚ ጾር ዚ ምሉእ መዓልቲ ኣይህቦን የ ጸሓይ ኣይእተዉ ኢሉ ዩ እሞ ሌፌ ሕሓሓሊምሉእ ዘመነ ሕይወትካ ክሳብ ዚውዳእ ክትጽበዮሠንዘሕዘነካ ሰብ ንምንታይ ትጸልኦሠክፉእ ዚገበረካ ንሱ ኣይኮነን እቲ ክፉእን ደመኞን ጸላኢኻ ደያብሎስ ዩ እምበር ሕማም እምበር ንሕሙም ሰብ ኣይትጽላእ ጸላኢ ዲያብሎስ ክንፍጽሞ ዚደልይ ዓይነት ገዳማዊ ሕይወት ኣሎ ስለዚ ሰማያውን መንፈሳውን ገዳማዊ ሕይወት ካብ ሰይጣናዊ ብኸመይ ንመምዮሠብዘይጥርጥር ውዱን ብዚኾነ መጠኑ እዩ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ዚኾነ ሕጊ ጾም ይሃልኻ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ ምጻምካ መጠን ብዘይብሉ መግቢ ኣይትጉምጀው ብሓቂ ዝይምምጥጣን ኣብ ዚኾነ ይኹን ግዜ ምንጪ ጥፍኣት እዩ መንእሰይን ጥዑይን እንተኾይንካ ብድኻም እትስዓረሉ ንዘመነ እርጋንካ ከይተረፈ ጹም ዓቕምኻ ብዚፈቕዶ መጠን ሃብቲ ከዝን መንፈሳዊ ሃብቲለአብ ዘይትኽእለሉ ክትሽፍኖ ምእንታን እዩ ፖ ኣብ ውሽጢ በዓትታቶም ተቐሚጦም ከለዉ ጠባዮም ግን ኣብ ከተማ ከምዘለዉ ሰባት ዚኾኑ ብዙሓት መናንያን ኣለዉ እዚኦም ንግዚኦም ዘባኽኑ እዮም ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት ተቐሚጥካ ንሕልና ባሕታዊ ምግባር ከምእውን ብብሕትውና ተቐሚጥካ ብሓሳብ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኪነበር ይከኣል ዩ ካብ ጸላኢና ኪንዕቀብ ብኩሉ መንገዲ ክንዕጠቕ ኣለና ብግዳም የጥቅዑና ብውሽጢ ይደፋፍኡና ኣብቲ ህሞት ቲ ነፍሲ ብማዕበል ባሕሪ ከምዚተሃረመት መርከብ ትኸውን ብግዳም ማዕበል የራጽማ ብውሽጢ ከኣ ብስቡር ክፍላ ማይ ይኣትዋ ብውሽጢ ዚፍጠር ፍትወት መዓረ እንፍተኖ ብግዳም ዚስራሕ ሓጢኣት ውን ንፍተን ስለዚኾነ ድማ ኣብ ግዳማውያን ውሽጣ ውን ገዛእ ርእስና ኪንዕቀብ ኣለና መዕ ሓደ ብጻይ ንኣባ ጥጦስ ብኸመይ ንልበይ ኪዕቅቦ ይኽእልሠክብል ሓተቶ ኣባ ጥጦስ ከኣ ኣፍናን ልብናን ክፉት እንተኾይኑ ብኸመይ ንልብና ክንዕቅቦ ንኽእልሠ ክብል መለሰሉ ናብ ትሑት ሰብእና ዚመርሕ መንገዲ ኣየናይ እዩሠ ክብል ሓደ ብጻይ ሓተቶ ንሱ ከኣ ኪመልስ ከሎ ምንጪ ትሑት ሰብእና ነብስኻ ምግታእ። ጸሎትን ገዛእ ርእስኻ ትሕቲ ኩሎም ፍጥረትካ ገይርካ ኣብ ሰሌዳ ልቦናኻ ምቅራጽ እዩ በሎ ምሪዎጎ ካህን ኣባ ጢሞቴዎስ ንኣባ ጴሜን ነዚ ዚስዕቦ ነገሮኛ ኣብ ውሽጢ ግብጺ ብስራሕ ዝሙእ ሕይወታ እትመርሕ ጓልኣንስተይቲ ኣላ ነቲ ዚረኸበቶ ገንዘብ ግን ብምጽዋት ትህቦ ኣባ ጴሜን ውን ንሳ ብስራሕ ዝሙት ኣይክትቅጽልን እያ ናይ እምነት ፍረ ኣብ ውሽጣ እናዓበየ ይኸይድ ስለዘሎ በሎ ናይ ካህን ኣባ ጢሞቴዎስ ኣደ ክትርእዮ ምስ መጸት እዛ ሰበይቲ ሕጂ ውን ኣብ ውሽጢ ዝሙት ድያ ዘላሠ ኢሉ ሓተታ ኣዲኡ ውን ሕጂ እሞ ፈተውታ በዚሖም እንተኾነ ግን እቲ እትህቦ ምጽዋት ብኡ መጠን ወሲኹ ዶ በለቶ ኣባ ጢሞቴዎስ ውን ነዚ ንኣባ ጴሜን ነገሮ ኣባ ጴሜን ውን ንሳ ብስራሕ ዝሙት ኣይክትቅጽልን እያ ኢሉ መለሰሉ ኣባ ካልእ ግዜ ሓደ ኣባ ጢሞቴዎስ ምስ መጸት ፈሊጥካ ኣለኻ እዛ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ እኮ ንስኻ ክትጽልየላ ምእንታን ምሳይ ክትመጽእ ደልያ ኢላ ነገረቶ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣባ ጢሞቴዎስ ንኣባ ጴሜን ነገሮ ኪድ እሞ ርኸባ በሎ ኣባ ጴሜን እታ ሰበይቲ ንኣባ ጢሞቴዎስ ረኺባቶ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ምስነገራ ልባ ብጣዕሳ ተመልአ። ክትብል ቃል ኣተወት ናብ ገዳም ኣትያ ንእግዚኣብሔር ባህ ኣቢላቶ ዓረፈት ዳዶውቃረ ምስ ኣባ ሲዞስን ኣባ ቴዎዶርን ኣባ ገዳመ ንጥራ መጀመሪያ ከባቢ ካብ ዚሰፈሩ ኣበው ሓደ እዩ ብሐሙ ዓጅ ከኣ ዓረፉ ናይ መነኮስ ኣኽሊል ትሕትናኡ እዩ ካብ መጠን ንላዕሊ ዚምስገንን ዚኸበረን ሰብ ብዙሕ ኩነኔ ይረኽቦ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምስቁምነገር ከይተቆጸረ ሰናይ ሰሪሑ ዚሓለፈ ሰብ ግን ኣብ ሰማይ ዓቢይ ክብሪ ይረክብ መዕ ናዴፊሜፖያፊቻምያውጮዩ ቀዳታ መነኮስ ንብጻዩ ምማት ኣልዎብዚኮነ ይኩን መንገድን ኪነትን ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ክፍርድ የብሉን። ሓደ ግዜ ናይቲ ከባቢ ገዛኢ ብዛዕባ ኣባ ሙሴ ዝና ሰሚዑ ክርእዮ ምእንታን ናብ ገዳመ ኣአስቄጥስ መጽጸአ ነዚ ዚሰምዐ ኣባ ሙሴ ሃዲሙ ናብ ጫካ ኣተወ ኣብ መንገዲ ናይቲ ገዛኢ መልእኽተኛታት ረኸብዎ እሞ በጃኻ ኣባ ሙሴ ኣበይ ከምዘሎ በዓቱ ኣርእየና በልዎ ካብኡ እሞ እንታይ ክትረኽቡ ንሱ ኮ ለቁማጽ እዩ በሎም።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

Comments:


memezon

Download options | Convert to Pdf | Book of the day

© dirzon | Terms of Service | Privacy | About | Services | Contact