Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • تحويل إلى قوات الدفاع الشعبي
  • قائمة القراءة
  • مختصر
  • كتاب مسموع
  • بحث
  • تحميل
  • myzon
  • تسجيل الدخول
  • تسجيل
English  አማርኛ  Français  العربية
كتاب اليوم

ቅዋም ኤርትራ.pdf


  • word cloud

ቅዋም ኤርትራ.pdf
  • Extraction Summary

ኣብ ሃገረኤርትራ ልኡላዊ ስልጣን ህዝቢ ወኪሉ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝምስረት መንግስቲ ኤርትራ ኣሳታፍን ድልዱልን ትካላት ብምህናጽ ንብቹዕ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት መሰረት ይኸውን። ንዜግነት ዝምልከት ዝርዝር ሕግታትን ቅጥዕታትን ብሕጊ ይውሰን።

  • Cosine Similarity

ቀፇዎም ኤርተራ ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ ግንቦት ዝጸደቐ ትሕዝቶ መቕድም ምዕራፍ ሓደ ሓፈሻዊ ድንጋጌታት ምዕራፍ ክልተ ሃገራዊ ዕላማታትን መራሒ መትከላትን ምዕራፍ ሰለስተ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ግቡኣትን ምዕራፍ ኣርባዕተ ሃገራዊ ባይቶ ምዕራፍ ሓሙሽተ ፈጻሚ ኣካል ምዕራፍ ሽዱሽተ ምምሕዳር ፍትሒ ምፅራፍ ሸውዓተ እተፈላለየ ድንጋገታት መቕድም ንሕና እዞም ብናይ ሓባር ቃልሲ ንመሰልናን ሓደ መጻኢናን ስሙር ሃገር ዝኾንና ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ንነዊሕን ዝናዊ ታሪኸ ዝተሰርሓሉን ሓርነታዊ ሰውራ ምእንቲ ናጽነትናን መሰልናን ህይወቶም ንዝበጀው ዓሰርተታትኣሽሓት ጀጋኑ ሰማእታትናን ንጽንዓት ኩሎም ሓርበኛታት ኤርትራውያንን እናመጎስናን ኣብቲ ዘውረሱና ናይ ሓድነትን ፍትሕን ተሪር ምድሪ ረጊጽናን ነዚ ብብርቱዕ ገድሊ ዝተረኸበ ናጽነትን ሓድነትን ሰላምን ርግኣትን ምክልኻልን ድልድልትን ስልጥንትን ሃገር ብምህናጽ ምዕቃቡን ምምዕባሉን ቅዱስ ግቡእ ዜጋታት ምኳኑ ብምግንዛብ ምዕብልቲ ሃገር ንምህናጽ እቲ ኣብ ሓርነታዊ ሰውራና ዘማዕበልናዮን ዘዐወተናን ናይ ሓድነትን ማዕርነትን ፍቕሪ ሓቅን ፍትሕን ርእሰምርኮሳን ፍቕሪ ስራሕን ክብርታት ሕመረት ሃገራዊ ክብርታትና ክኸውን ከም ዘሎዎ ብምርዳእ ናይ ሕብረተሰብና ጽቡቕ ናይ ኮማዊ ምትሕግጋዝ ፍቕሪ ስድራቤት ኣኸብሮት ንሽማግለታት ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ምክብባርን ያታዊ ክብርታት ምውራሱን ምስሳኑንኑ ንምዕባለን ጥዕየትን ሕብረተሰብና ኣድላዩ ምእኳኑ ብምምልካት መሰል ዜጋታት ሰብኣዊ ክብረት ማዕርነትን ምዕሩይ ምዕባለን ዘውሕስ ናይ ዜጋታት ነገራውን መንፈሳውን ድልየት ዝረውየሉ ኩነታት ዘጣጥሕ ኣብ ድልየት ህዝብን ረብሕኡን ተሳትፎኡን እተመስረተ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል ንቹጠባዊ ምዕባለ ንማሕበራዊ ስኒትን ግስጋሰን መሰረት ምእኺኑ ብምርግጋጽ ቅያ ዝመልኦ ተሳትፎ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን መሰልን ከምኡውን ኣብዚ ቃልሲ እዚ ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝማዕበለ ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን እተመስረተ ጽኑዕ ምሕዝነትን መሰረት ዘይንቕነቕ መብጽዓናን ቃልስናን ንማዕርነትን ምሕዝነትን ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ምኳኑ ብምግንዛብ ንህይወትናን ህይወት መጻኢ ወሎዶታትናን ዝሰርዕን ዝገዝእን ፍትሕን ሰላምን ዘስፍን ኣብ ደሞክራስን ሃገራዊ ሓድነትን እተሰረተ ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስ ቅዋም ከም ኪዳን ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ብፍታውና እነቹሞ መንግስትናን ክኸውን ብምድላይ ሎሚ ግንቦት ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት እዚ ድሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ ክትዕ ብመገዲ ቅዋማዊ ባይቶ ከም ዝለዓለ ሕጊ ናጻን ልኡላዊትን ሃገርና ኤርትራ ነዚ ሃገራዊ ቅዋም እዚ ብወግዒ ንቕበሎን ነጽድቐን ኣለና። ኩሉ ዜጋ ኣብ መላእ ኤርትራ ብሓርነት ናይ ምንቅስቓስን ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኤርትራ ናይ ምንባርን መሰል ኣለዎ። ዓንቀጽ መሰል ንብረት ኣብ ናይዚ ዓንቀጽ እዚ ንኡስዓንቀጽ እተደንገገ ከም ዘሎዎ ኾይኑ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኤርትራ ብውልቂ ወይ ብሓባር ምስ ካልኦት ንብረት ንምጥራይን ንወረስቱ ንምትሕልላፍን መሰል ኣሎዎ። ዓንቀጽ ኣቃውማን ዕድመን ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ወካልን ሓጋግን ኣካል ዝኾነ ሃገራዊ ባይቶ ይህሉ። ዓንቀጽ ስልጣንን ዕማማትን ሃገራዊ ባይቶ ብመሰረት ናይዚ ቅዋም እዚ ድንጋጌታት ሀ ሃገራዊ ባይቶ ንሰላምን ርግኣትን ምዕባለን ፍትሓዊ ኣመሓዳድራን ኤርትራ ዘገልግሉ ሕግታትን ውሳኔታትን የውጽእ ብመሰረት እዚ ቅዋም እዝን ሃገራዊ ባይቶ ዘውጽኦ ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረትን እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሰብ ወይ ኣካል ሓይሊ ሕጊ ዘሎዎ ውሳነ ክወስድ ኣይክእልን። ሃገራዊ ባጀት ምጽዳቕን ናይ ግብሪ ሕጊ ምውጻእን ስልጣን ሃገራዊ ባይቶ ይኸውን። ሃገራዊ ባይቶ ብመሰረት እዚ ቅዋም እዚ ሽመት የጽድቕ። ሃገራዊ ባይቶ ብጻውዒት ፕረዚደንት ወይ ብኣቦመንበር ሃገራዊ ባይቶ ወይ ከኣ ብሓደ ሲሶ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ህጽጽ ኣኹባ ክግበር ይኸኽእል። ዓንቀጽ ግቡኣትን ሓለፋታትን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ከም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ናይ መዝነቶም ክብሪ ክሕልውን ተመቕሊሎም ንህዝቢ ከገልግሉን ግቡኦም እዩ። ሓደ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ኣኹባ ሃገራዊ ባይቶ ወይ ኣብ ኮሚተታቱ ወይ ካብኡ ወጻኢ ምስ መዝነቱ ኣብ ዝዛመድ ጉዳይ ብዘቕረቦ ሓሳብን ርእይቶን ኣይክሰስን ወይ ኣይሕተትን። ዓንቀጽ ናይ ዝምረጽ ፕረዚደንት ብቕዓት ሓደ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንፕረዚደንትነት ንኸምረጽ ብትውልዲ ኤርትራዊ ዜጋ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንፕረዚደንትነት ንኺሕጸ ናይ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ደገፍ ክረክብ ኣሎዎ። ንምክልኻል ሃገር ኣብ ዝድለየሉ እዋን ከኣ ኩነተ ኩናት ምእዋጅ ኣብ ዘድሊ እዋን ህጹጽ ኣኹባ ሃገራዊ ባይቶ ምጽዋዕን ነቲ ኣኹባ መግለጺ ምቕራብን ሃገራዊ ባይቶ ንዘጽደቐ ሕጊ ምኽታምን ኣብ ወግዓዊ ጋዜጣ ከም ዝሕተም ምግባርን ብሃገራዊ ባይቶ እተወሰነ ሕግታትን ውሳኔታትን ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ምርግጋጽ ኣህጉራዊ ስምምዓት ምዝታይን ምኸታምን። ከምኡውን ነዚ ስልጣን እዚ ምውካል ብምጽዳቕ ሃገራዊ ባይቶ ሚኒስተራት ኮሚሽነራት ጠቕላሊ ኦዲተር ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኣቦመንበር ርእሰ ኣብያተፍርዲ ብኻልእ ናይዚ ቅዋም አዚ ድንጋጌታት ወይ ካልእ ሕግታት ብፕረዚደንት ክሽየሙ ዘሎዎም ካልኦት ሰባትን ምሻም ብእማመ ኮሚሽን ፍርዳዊ ኣገልግሎትን ብምጽዳቕ ሃገራዊ ባይቶን ፈራዶ ርእሰ ኣብያተ ፍርዲ ምሻም ብእማመ ኮሚሽን ፍርዳዊ ኣገልግሎት ዳያኑ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ምሻም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማስያዊ ወኪላትን ምምዛዝን ምቕባልን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻልን ጽጥታን ኤርትራ ምምዛዝ ዓንቀጽ ለ እተዓቀበ ኮይነ ንበደለኛታት ፍርዲ ምንካይን ምሕረት ምሃብን ንብቹዕ ምምሕዳር ኣድላዩ ምስ ዝኸውን ምስ ምምሕዳር ሲቪላዊ ኣገልግሎት ብምምኸኻር ሚኒስትሪታትን ክፍልታትን መንግስቲ ምጃቿም ወይ ምፍራስ ኣኹባታት ካቢኔ ምምራሕን ንጥፈታቱ ምውህሃድን ናብ ሃገራዊ ባይቶ ንምጽዳቕ ዝቐርቡ ንድፊ ሕግታትን ባጅትን ምእማም ምስ ዝምልከቶም ትካላትን ሰባትን ብምምኸኻር ንዜጋታት ኤርትራ ከምኡውን ንኻልኦት ተቐማጦን ኣዕሩኸን ኤርትራ ናይ ክብሪ ንሻናት ምሽላም ዓንቀጽ ዝተሓለወ ኮይኑ ብፕረዚደንት ዝተሸመ ሰብ ካብ መዝነቱ ብፕረዚደንት ምውራዱ ይከኣል። ርእሰ ኣብያተ ፍርዲ ሀ ነዚ ቅዋም እዚ ናይ ምትርጓምን ብዛዕባ ቅዋምነት ናይቶም ብመንግስቲ ዝወጹ ሕግታት ወይ ዝወስዱ ስጉምታት ናይ ምውሳንን በይናዊ ስልጣን ይህልዎ ሊ ብመሰረት ናይዚ ቅዋም እዚ ዓንቀጽ ሀን ለን ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ወሪዱ ምስ ዝኸሰስ ናይ ምፍራዱ በይናዊ ስልጣን ይህልዎ። ዓንቀጽ ምምሕያሽ ቅዋም ዝኾነ ናይዚ ቅዋም እዚ ድንጋጌ ንኸምሓየሽ ካብ ፕረዚደንት ወይ ካብ ፍርቂ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሓሳብ ክቐርብ ይኸእል።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

تعليقات:


memezon

خيارات التنزيل | تحويل إلى قوات الدفاع الشعبي | كتاب اليوم

© dirzon | شروط الخدمة | خصوصية | حول | خدمات | اتصال